ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ውሕጅን 66 ሰባት ምሟቶም ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ሓቢሮም


ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሳዓበ ውሕጅን፣ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ናብ 66 ክብ ከምዝበለ ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ሲቪላት ዝሃቦ ሓበሬታ ብውሑድ 28 ሰባት ሰባት አብ ተመሳሳሊ ወቅቲ ከምዝቆሰሉ፣ ንክልተ መንግስታዊ ህንጻታት ሓዊሱ፣ 24 ሽሕ ኣባይቲ ከምዝዓነው ይገልጽ።

ኣብ ሱዳን እዋን ክረምቲ ካብ ሰነ ክሳብ መስከረም ዝጸንሕ ኮይኑ መጠን ዝናብ ግና ኣብ ነሓሰን መስከረምን ከምዝሕይልን ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ክረምቲ ልዕሊ 80 ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ዝሓለፉ ሚእቲ ዓመታት ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣጋጢሙ ከምዘይፈልጥን ኣሶሴትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

XS
SM
MD
LG