No media source currently available
ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብን ምዕልቕላቕ ውሕጂን 62 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 98 ምቁሳሎምን ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ሱና ሓቢሩ። ኣብ ሱዳን ካብወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ 15 ክፍለ ግዝኣታት ዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ኣስታት 200,000 ሰባት ምጽላው’ውን ተሓቢሩ።