ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጂ 62 ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ


ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ከቢድ ዝናብን ምዕልቕላቕ ውሕጂን 62 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 98 ምቁሳሎምን ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ሱና ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ካብወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ 15 ክፍለ ግዝኣታት ዘጋጠመ ከቢድ ዝናብ ኣስታት 200,000 ሰባት ምጽላው’ውን ተሓቢሩ።

እዚ ከቢድ ዝናብን ምዕልቕላቕን ዝያዳ ዝተራእየ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዝርከብ ክፍለ ግዝኣት ናይል’ዩ።

ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብታ ሃገር ዝጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጂ 54 ሰባት ምሟቶም ብዓርቢ ምሕባሩ ይዝከር።

እቲ ትካል ወሲኹ ብመሰረት ካብ መንግስቲን መሻርኽቱን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣስታት 37,000 አባይቲ ምዕናዎምን ምፍራሶምን ገሊጹ’ሎ።

ናይ ዝናብ አዋርሕ ክሳብ ወርሒ ጥቕምቲ ዝቕጽል ብምዃኑ ተወሳኺ ምዕልቕላቕ ከጋጥም ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ’ሎ።

ኣብቲ ምዕልቕላቕ ውሕጂ ዘጋጠመሉ ማሕበረሰብ ከም ምቁራጽ መንገድታትን መዕቖሪ ማይን ምብታን ጥሪትን ንብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝአመሰሉ ነባሪ ጸገማት ይቓልዑ ምህላዎም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ምትሕብባር ንሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ዓቑሩ ዘሎ ማያት ንምጽራይ 150 ሚልዮን ዶላር ብሓፈሻ ነቲ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ዘጋጠመ ቦታ ሓገዝ ንምብጻሕ ድማ ተወሳኺ 1.1 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድልይ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG