ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 97 በፂሑ


ኣብ ሱዳን ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 97 በፂሑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:58 0:00

ኣብ ሱዳን ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 97 በፂሑ

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ወሃብቲ ድጋፍን ሎሚ ሰኑይ ንሳልሳይ መዓልቲ ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ዋና ከተማ ሱዳን ኻርቱም ብፍንጀራታት ከምዝተናወፀት ኣገልግሎ ዜና ፈረንሳ ፀብፂቡ። ኣብ መንጎ ኽልተ ተወዳደርቲ ጀነራላት ንሳልሳይ መዓልቱ ብዝቐፀለ ግጭት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ናብ ኣስታት 100 ደይቡ ኣሎ።

እቲ ህውከት ኣብ መንጎ ኣብ 2021 ብመፈንቅለ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዙ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሓንን ምኽትሎምን ኣዛዚ ናይቶም ሓያላት ሓይልታት ወሃብቲ ድጋፍን ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም እዩ ጀሚሩ። እቲ ደብዳብ ነፈርቲ፣ኣብ ጎደናታት ታንክታት ዝተርኣየሉን ኣብ ከተማ ኻርቱምን ካልኦት ከተማታትን ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝነብርሎም ከባቢታት ቶኽሲ መዳፍዕ ዘተአናገደን ከቢድ ግጭት ደው ክብል ዓለምለኸ ፃውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ማሕበር ሓካይም ሱዳን ሎሚ ሰኑይ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ብዝሒ ዝሞቱ ሰላማዊያን ሰባት ናብ 97 ደይቡ ኣሎ’’ ኢሉ። እቲ ቶኽሲ ንምንቅስቓሳት ስለዝደረተን ናብ ኩሎም ሆስፒታላት ምብፃሕ ብዘይምክኣሉን እቲ ኣሃዝ ንኹሉ ዘጠቓልል ኣይኮነን ክብል እቲ ማሕበር ወሲኹ ገሊፁ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ሓካይም ሱዳን ዝተባህለ ካልእ ውዳበ ድማ ዓሰርተታት ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ከምዝሞቱን ስቪላትን ወታሃደራትን ሓዊሱ ኣስታት 942 ድማ ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ትሸዓተ ሆስፒታላት ኻርቱም ‘’ብዙሓት’’ ደምን ካልኦት ቀረባትን ወዲኦም ኣለው ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ። ካብ ገዛውቶም ከይወፁ ዝተገደዱ ስቪላት እቲ ግጭት ነታ ሃገር ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ንዝነበረ ተስፋ ብምብርዓን ናብ ምሉእን ዝተናውሐን ዕግርግር ከየእትዋ ስግኣት ኣለዎም።

ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ኣብ እዋን ስርዓት መላኺ ፕረዚደንት ነበር ዑማር ኣል-በሽር ኣብ 2013 እዩ ተመስሪቱ።

እቲ ውግእ ዝጀመረ ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ናብ ስሩዕ ሰራዊት ምፅምባር ብዝምልከት ኣብ መንጎ ቡርሓንን ዳግሎን መሪር ዘይምስምምዓት ድሕሪ ምፍጣሩ እዩ። ሓቢሮም ዘካየድዎ ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጠሮ ቅልውላው ንከብቅዕ ቁልፊ ቅድመ ኩነት እዩ።

እቲ ውግእ መን ጀመሮ ክልቲኦም ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለው። ክልቲኦም ድማ ንመዓርፎ ነፍርቲ ሓዊሱ ፕረዚደንታዊ ቤተ መንግስቲ ብምቁፅፃር ልዕልና ዘለኒ ኣነ እየ ይብሉ ኣለው። ብነፃ ወገን ምፅራይ ግን ኣይተኽኣለን።

ኣብ ዳርፉር ብዝተኻየደ ውግእ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ተቐቲሎም ኣለው። እቲ ቕትለት ኣብታ ሓደ ሲሶ ህዝባ ረድኤት ዘድልዮ ሃገር ኩሎም ስራሕ ምሃብ ሓገዝ ብግዚያዊነት ጠጠው ክብል ኣገዲዱ ኣሎ።

ኣብ መላእ ከተማ ኻርቱም ኤሌክቲሪክ ተቛሪፁ ዝተኸፈቱ ሒደት መሸጢ ኣቑሑት እውን ንሒደት መዓልታት ጥራሕ ዝኸውን ሸቐጣት ከምዝተረፈም ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ውግእ ጠጠው ክብል ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ፣ዓረብ ሊግን ኢጋድን ሓዊሱ ካብቲ ዞባን ዓለምን ፃውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ እቲ ውግእ ብዓንተብኡ እውን ሕማቕ ዝነበረ ሰብኣዊ ኩነታት ዘጋድድ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቶኽሲ ገጢሞም ዘለው ወገናት ብዘይ ውዓል ሕደር ነቲ ህወክት ጠጠው ኣቢሎም ዝርርብ ክጅምሩ ኣተሓሳሲቦም ኣለው።

ቶኽሲ ጠጠው ክብል ፃውዒታት እንተቐረቡ እውን ግን ክልቲኦም ንዝርርብ ድልዋት ኣይመስሉን። ኣብ ክንድኡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ‘ገበነኛ’ እናበሉ ይካሰሱ ኣለው።

ዝቖሰሉ ንምውፃእ ብሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ ንድፊ ክልቲኦም ወገናት ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ሰዓት እንተሰማምዑ እውን እቲ ከብዲ ውግእ ጠጠው ኣይበለን።

XS
SM
MD
LG