ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኣለዎ ክብል ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


ሱዳን ሰላማውን ዝተረጋግአን ማሕበረሰብ ንምምስራትን ዘስካሕክሕ ውርሻ ህውከትን በደልን ከብቅዕን ሰብኣዊ መሰላት ህዝባ ከተኽብር ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዖም።ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ንላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምውካል ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን መብርሂ ሂቡ’ሎ።

ሓጋዚ ዋና ፅሓፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣንድሪው ጊልሞር ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መንጎ ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን መሰጋገሪ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ብዝተበጽሓ ስምምዕ ተተባቢዕና ኣለና ብምባል ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ንዝተፃወትዎ ጊደ ንኢዶም።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ስምምዕ ክሰርሕ ግን ብዙሕ ትዕግስትን ቅንዕናን ይሓትት ኢሎም።

“ፕረዚደንት ኣል-በሽር ካብ ስልጣኖም ምስ ተወገዱ ላዕለዋይ ኮሚኒሽነር ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ቅልውላው ምንጩ ኣተሓሕዛ መሰላት፣ዘይተመለሰ ቁጠባዊ ሕቶ፣ማሕበራዊ፣ስቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ምዃኖም ኣስሚሮምሉ እዮም።መፍትሒኡ ኸኣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት እዩ።”

ጊልሞር ቐጺሎም ዘይምዕዳል ኮይኑ ናይ በሽር ምውራድ ኣብታ ሃገር ህውከት ወይ በደል ከብቕዕ ኣይገበረን፡6 ሰነ 2019 ልዕሊ 100 ሰላማዊ ሰልፈኛታት ብሓይልታት ፀጥታ ተቐቲሎም ኢሎም ።

ኣብ ልዕሊ ንወታደራዊ መሪሕነት ዝቓወሙ ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓፈናን ክፍፀሙ ፀኒሖም።ኩሎም ሱዳናዊያን ፀገሞም ብልዝብ ክፈትሑን ዝተፈፀመ በደል ብነፃ ክምርመርን ፍትሒ ክረጋገፅን ጊልሞር ፀዊዖም ኣለው።

ሚንስትር ፍትሒ ሱዳን ዑስማን ሑመይዳ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።

“ሱዳን ኣብ ባይታ ብዝተፈጥረ ህዝባዊ ለውጢ ኣብ ናይ ብሓቂ ናይ ስልጣን ስግግር እያ ዘላ።ኣብዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ሱዳን ኣብ ኩሉ መዳያት ንዘጋጠሙዋ ፈተናታት ንምስዓር ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ምትሕብባርን ሓገዝን እያ ትፅበ።”

ሑመይዳ ወሲኾም ሱዳን መንገዳ ትልውጥ ስለዘላ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ሃሳይ ማዕቐብ ክልዓለላን ሃገራትን ሓላኺ ናይ ወፃኢ ዕዳ ክስርዛላን ወሲኾም ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG