ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዘይፍለጥን ተለዋዋጣይን'ዩ ክብሉ ወሃብ ቃል ሕ/ሃ ሓቢሮም


ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ -ፋይል

ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዘይፍለጥን ተለዋዋጣይን እዩ ኢሎም ።ብዘሎ ወጥሪ ናብ መቐለ ዘእትው እንኮ መንገዲ ሰመራ ኣብዓላ ንምንቅስቓሳት ይድርቶ ብምህላው ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ኩነታት እናገደደ ምኻዱ ገሊፆም።ካብ 15 ታሕሳስ ጀሚሩ ሰብኣዊ ቀረባት ዝፅዓና መካይን ናብ ትግራይ ኣይኣተዋን።

ካብ 12 ሓምለጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ፅዕነት መካይን 1,338 ጥራሕ ምዃነን እዚ ድማ ካብቲ ዘድሊ ትሕቲ 12 ምእታዊት ምዃኑን ወሲኾም ገሊፆም።ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ሰባት ንብምብጻሕ ኣብ መዓልቲ 100 መካይን ክኣትዋ ኣለወን።

ክሳብ 3 ጥሪ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ መሻርኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ትካላት ረድኤት መግቢ ንምክፍፋል ኣብ ኢዶም ዝተረፈ ነዳዲ 10,000 ሊትሮ ጥራሕ ምዃኑን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መቐለ ዝርከብ ውሱን መግቢ ንምክፍፋል እንተወሓደ 60,000 ሊትሮ ነዳዲ ከምዘድሊን ዱጃሪክ ገሊፆም።

ብርክት ዝበሉ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ቀረባ ነዳዲን ገንዘብን እንተዘይቐሪቡሎም ስራሕ ሰብኣዊ ቀረባት ጠጠው ንምባል ክግደዱ እዮም።

ኣብ ዓፋር፣ኣምሓራን ምዕራብ ትግራይን ሓዊሱ ሰባት ምምዝባል ቀፂሎም ኣለው።ይምለሱ ዘለው ሰባት ኣለው፤ መግቢ፣ማይ፣ናይ ፅርየትን መፅለልን ግን የድልዮም ኣሎ ኢሎም።

ትካላት ረድኤት ኣብ በዳሂ ኩነታት ኣገዳሲ ረድኤት የቕርቡ ከምዘለውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንልዕሊ 33,000 ሰባት መፅለሊን ካልእ ረድኤትን ከምዝተውሃበን ቁፅሪ ዝተሓገዙ 586,000 ምብፅሑን ወሃቢ ቃል ስቴፋን ዱጃሪክ ገሊፆም።

ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኩሎም ወገናት ኣብ ትግራይ:ኣምሓራን ዓፋርን ዘይተደረትን ቀፃልነት ዘለዎ ተበፃሕነት ክህልው ከፍቕዱ ነተሓሳስብ ኢሎም።

ብኻልእ ዜና ውድብ ጥዕና ዓለም 14 ሜትሪክ ቶን ቀረባት ሕክምና ንክልል ዓፋር 70 ሜትሪክ ቶን ድማ ንክልል ኣምሓራ ኣብ ታሕሳስ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ፍርቂ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ከቕርብ ከምዘይተፈቐደሉ ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ትግራይ ንገለ ሰብኣዊን ጥዕናን ድልየታት ንምሕጋዝ ናብ ክልል ትግራይ ናይ ሕክምና ቀረባት ንምቕራብ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተደጋጋሚ ሕቶ ምቕራቡ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

እቲ መግለፂ ኣብ ሶሪያ፣ደቡብ ሱዳን፣የመንን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ከቢድ እዋን ግጭት ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ብምዃን ህይወት ከድሕን ይፍቀደሉ ነይሩ ይብል :ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ቀረባት ከይበፅሕ ብምግባር ሰባት ይሞቱ ኣለው ይብል።

XS
SM
MD
LG