ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ 9 ሚልዮን ተጸበይቲ ሓገዝ ኣለዉ' ፕሮግራም መግቢ ዓለም


ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣስታት 40% ካብ ህዝቢ ትግራይ ብኸቢድ ስእነት መግቢ ክጥቃዕ እንከሎ፡ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ሰለስተ ክልላት ሰሜን ኢትዮጵያ ብድምሩ ልዕሊ ትሽዓት ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣመልኪቱ። ከም መግለጺ እቲ ውድብ፡ እቲ ኣስታት 15 ኣዋርሕ የሕሊፉ ዘሎ ውግእ ካብ ዝጅምር እዚ ኣሃዝ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ’ዩ።

እቲ ትካል ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ 83% ካብቲ ህዝቢ ሕጽረት መግቢ ከም ዘጓነፎ ጠቒሱ። መብዛሕትኦም ስድራቤታት ከዚኖሞ ዝጸንሑ ቀረባት’ውን ይውዳእ ምህላዉ ድማ እቲ ጥሜት ክጋደድ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ይእምት።

እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ፡ 13% ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ክሳቐዩ እንከለዉ፡ ኣስታት ፍርቂ ኣጥበውቲ ኣደታት’ውን ብተመሳስሊ ሕጽረት መግቢ ዝሳቐያ ምዃነን ይጠቅስ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብተመሳሳሊ ብሰንኪ’ቲ ኲናት 14 ሚእታዊት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ክጥቅዑ እንከለዉ፡ ሓደ ሲሶ ናይ ዘጥብዋ ኣደታት’ውን በቲ ጸገም ዝተጠቕዓ’የን። ኣብ ክልል ዓፋር እቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣሃዝ 15 ሚእታዊት ኢዩ።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘየሎ ዘመልከተ ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ ንኣስታት 12 ሚልዮን ዜጋታት ንምሕጋዝ፡ 337 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከም ዘድሊ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG