ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜን ሸዋ ብዝተላዕለ ግጭት 600 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሸዋን ብሄረሰብ ኦሮሞን ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ካማሼ ብዝተላዕለ ግጭት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ናይ ኢትዮጵያ ተቋም ሓባሲ ንብዓት ኣፍሊጡ።

ዋና ሓባሲ ንብዓት ዶክተር እንዳለ ሃይሌ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ካብ ዝሓለፈ 10 መጋቢት ጀሚሩ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈነውዎ መጥቓዕቲ ኣብ ዞባታት ሰሜን ሸዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ብአማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣብ ክልቲኦም ዞባታት ልዕሊ 330,000 ሰባት ተዓቒቦም ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም። ኣብ ቤንሻጉል ጉምዝ እውን ብተመሳሳሊ ፀገም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ክልል ኣምሓራ ናይቲ ከባቢ ሰላም ብምዝራግ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ፅልኢ ብምቕስቃስ ይሰርሕ ኣሎ ንዝበሉዎ 'ኦነግ ሸኔ' ተሓታቲ ክገብር ከሎ መንግስቲ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሉ ዝፅውዖ ንርእሱ ናይ ኦሮም ነፃነት ሰራዊት ኢሉ ዝፅውዕ ግን ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምንቅስቓስ ከምዘይገብር ብምግላፅ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡ ሎ።

XS
SM
MD
LG