ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ምቕጻሉ ተገሊጹ'ሎ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈደራል ሰራዊትን ህወሓትን ዝካየድ ኲናት ንሻዱሻይ መዓልቱ ከምዝቐጸለ ካብቲ ቦታ ዝመጻና ዜና ሓቢሩ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጸረ-መጥቃዕቲ ስርሒታቱ ቀጺሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ጠጠው ኢሉ ዝነበረ ኲናት መን ዳግም ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ`ለዉ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብወገኑ ተጻብኦታት ብቕጽበት ደው ክብል ይጽውዕ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንሃለወ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ፡ ንናይ ስራሕ ምብጻሕ ናብ ኣልጀርያ ገይሹ`ሎ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ብዛዕባ`ቲ መገሻ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን።

XS
SM
MD
LG