ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዕጡቓት ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ 8 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዕጡቓት ትማሊ ሓሙስ 20 ጥሪ 2023 ንሓንቲ ቁሸት ከም ዘጥቅዑን ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቐተሉን ካብ መንጎኦም ንገሊኦም ክሳዶም ከምዝቖረጹን ሰበ-ስልጣን ናይጀርያ ኣፍሊጦም።

ኣማኻሪ ጸጥታ ግዝኣት በኑ ፓወል ሂምባ ንተለቪዥን`ታ ሃገር ክገልጽ ከሎ፡ እቶም ዕጡቓት ነታ ኣብ ጥቓ ተፈናቐልቲ ዝርከቡላ ማኩርዲ ትብሃል ቁሸት ብምጥቃዕ ንገለ ካብቶም ግዳያት ክሳዶም ከምዝቖረጽዎም ተዛሪቡ`ሎ።

ነቲ ፖሊስ ንድምጺ ኣመሪካ ዘረጋገጸሉ መጥቃዕቲ መን ከም ዝፈጸሞ ሓላፍነት ዝወሰደ ወገን የለን። እንተኾነ ሰበ-ስልጣን ንጓሶት ብሄረ-ሰብ ፉላኒ ይጥርጥሩ። ኣብቲ ከባቢ ግጭት ጓሶትን ሓረስቶትን ብተደጋጋሚ ከጋጥም ምጽንሑ`ውን ይግለጽ`ዩ።

XS
SM
MD
LG