ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ውሕጂ 40 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ከቢድ ዝናብ ብዘስዓቦ ጋሻ ውሑጅ ብውሑዱ 40 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ድማ ከምዘለው ሰበስልጣን'ታ ሃገር ትማሊ ሰንበት ገሊፆም።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሂማቻል ፕራደሽ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ብሰንኪ ምሽሕታት መሬትን ውሕጅን እንተወሓደ 36 ሰባት ምሟቶም መንግስታዊ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኡትራካንድ እውን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝናብን ውሑጅን ንኣርባዕተ ሰባት ቀቲሉ 13 ሰባት ድማ ሩባታት መሊኦም መንበሪ ኣባይቶም ስለዝተወሰዱ ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፈልጥን።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣባይቶም ብውሑጅ ብምዕልቕላቑ ኣብ መፀለሊ ካምፕታት ኣዕቒቦም ከምዝርከቡ'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ኣብ ኡትራካንድ እዋኑ ሓሊዩ ዝወቅዕ ከቢድ ዝናብ ወይ ማንሱን ስዒቡ ብውሑጅ ኣስታት ፪፻ ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ኣባይቲ እውን ተወሲዶም።

XS
SM
MD
LG