ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰለስተ ከተማታት ዲሞክራሲያዊ ሪፖብሊክ ኮንጎ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ ተናዊሑ


ሰበስልጣን ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊኮ ኮንጎ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ሰንበት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ከምዝተናውሐ ገሊፆም።እዚ ማለት ሓድሽ ፕረዚዳንት ምስተመርፀን ቃለ ምሓላ ምስተፈፀመን ክካየድ ማለት እዩ።

ኮሚሽን ምርጫ ሎሚ ረቡዕ ከምዝገለፆ ምርጫ ዝተናውሐለን ከተማታት በኒ፣ቡተምቦን ዩምቢን እዩ።በኒን ቡቱምቦን ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ሕማም ኢቦላ ካብ ዝተረአየለን ከተማታት ምኳነን ይፍለጥ።

ኣብ ሰለስተ ከተማታት እንተተናውሐ እውን እቲ ምርጫ ኣብታ ሃገር ብዝተመደበሉ ግዜ ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ እዩ።ውፅኢቱ ድማ 15 ጥሪ 2019 ንፕረዚዳንት ጆሴፍ ካቢላ ዝትክእ መራሒ ወግዓዊ ክኸውን እዩ።

ፕረዚዳንታዊ ሕፁይ ማርቲን ፋዩሉ ኮሚሽን ምርጫ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ክናዋሕ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ወፍሪ ምርጫ እናካየድና ኢና ክብሉ ብትሪ ነቒፎምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG