ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ ዑደት ዘካይዱ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ፈረንሳ ኣትዮም


ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኣውሮጳ መገሽኦም ሎሚ ሶኑይ ኣብ ፈረንሳይ ጀሚሮም።

ቀ/ሚ ኣብይ ድሕሪ ፅባሕ ረቡዕ ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ምስ ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ክራኸቡ እዮም።ኣብቲ መደብ ንምስታፍ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ናብቲ ከባቢ ይውሕዙ ከምዘለው ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮ ብዝገበሩሎም ግብዣ ሎሚ ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ፅባሕ ድማ ምስ መራሒት ጀርመን ኣንጌላ መርከል ክዘራረቡ እዮም።

11 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሳተፍሉ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኻየድ ወፍሪ ኣብ ዝተረኹር ኣኼባ መደረ ከስምዑ ትፅቢት ከምዝግበር ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG