ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ሱዳን ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም


ሎሚ ሓሙስ ኣንጻር ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ በበይኑ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ንሓካይም ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ሳልሳይ ዓመት ምውዳቕ ስርዓት ኣልበሺርን ሻሙናይ ወርሒ ምግባት ወታሃደራዊ ስልጣንን ምኽንያት ብምግባር’ዩ ተጸዊዑ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ካርቱምን ኦምዱርማንን ክካየድ እንከሎ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝን ተዅሲ ብረትን ብምጥቃም ንሰልፈኛታት ክዓግትን ክብትንን ፈቲኑ። እቶም ብተዅሲ ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ሰልፈኛታት ድማ ካብ ኦምዱርማን ምዃኖም ሓካይም ንሮይተርስ ኣመልኪቶም።

ኣገልግሎት ስልኪን ኢንተርነትን ምቍራጹ’ውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ይሕብር።

ብወገን መንግስቲ ሱዳን፡ ንብዝሒ ምዉታት ኣመልኪቱ ዛጊት ዝተዋህበ መግለጺ የሎን። ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቮልከር ፐርዘስ ኣንጻር ሰላማውያን ተቓወምቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ደው ክብል ጸዊዑ ኣሎ።

ወታሃደራዊ መራሒ ጀነራል ቡርሃን ብወገኑ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንሰለማዊ ምርጫ ብሓጐስ ከም ዝቕበሉ ክጥቅስ እንከሎ፡ ንሱ ግን ብሰላማዊ ሰልፊ ዘይኰነስ ብስምምዕ ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG