ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ራያ ልዕሊ 50 ንጹሃን ዜጋታት ምቕታሎም ናይ ራያ ራዩማ ፓርቲ ኣፍሊጡ


ኣብ ራያ ልዕሊ 50 ንጹሃን ዜጋታት ምቕታሎም ናይ ራያ ራዩማ ፓርቲ ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ራያ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ሰባት ቅትለትን ካልእ ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ይፍጽም ኣሎ ክብል ራያ ራዩማ ዝተባህለ ፓርቲን ካልኦት ወገናትን ይጠርዑ`ለዉ። ካብ ህወሓት ዛጊት ርእይቶ ምርካብ ኣይተኻእለን።

ኣብ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ራያ ራዩማ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ጌታቸው ከበደ ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ዝርከብ ከባቢ ራያ ዓዘቦ ዝነብሩ ህዝቢ ንብርክት ዝበሉ ጸገማት ተቓሊዖም ኣለዉ፡ 50 ዝኾኑ ሰባት ብዘስካሕክ መንገዲ ምቕታሎም ልዕሊ 30 ሺሕ ህዝቢ ድማ ካብቲ ኸባቢ ምፍንቓሉ ገሊጹ`ሎ።

ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ'ውን ዛጊት 22 ኣባላቱ ብህወሓት ከምዝተቀትልዎ ሓቢሩ ።

ብኻልእ ወገን ፌደራል መንግስቲ ዘጣየሶን ካብ ከተማ መቐለ ወፂኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ድሕሪ ውሳነ በይናዊ ምቁራጽ ተፃብኦ መንግስቲ ፊደራል እቲ ክልል ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከብ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኣብ ራያ ልዕሊ 50 ንጹሃን ዜጋታት ምቕታሎም ናይ ራያ ራዩማ ፓርቲ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:50 0:00



XS
SM
MD
LG