ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሩስያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣስታት 34 ሽሕ ሰባት ብቫይረስኮሮና ምትሓዞም ተገሊጹ


ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝርከብ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ዝሕከምሉ ሆስፒታል
ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝርከብ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ዝሕከምሉ ሆስፒታል

34 ሽሕ ሩስያዊያን ኣብ ሓደ መዓልቲ ሎሚ’ውን ብኮቪድ ከምዝተታሓዙ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ሰበ ስልጣን ሩስያ፣ ንኣብያተ ጽሕፈትን ስፍራ ስራሕን ንምዕጻው ይዘራረቡ ኣለው።

ግብረ ሓይሊ መንግስቲ ሩስያ ንጉዳይ ኮቪድ19 ከምዝሓበሮ "ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት1015 ሰባት ብኮቪድ 19ከምዝሞቱ፣ ብሓፈሽኡ ዛጊድ 225,325 ኣብ’ታ ሃገር ከምዝሞቱን ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝላዓለ በዝሒ ኮይኑ ተመዝጊቡ ከምዘሎን ጠቂሱ። በዝሒ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተለኸፉ ሩስያዊያን 33,740 እዮም።

Recommended

XS
SM
MD
LG