ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሩስያ ንመሓውራት ዜና ዝቆጻጸር አካል ንድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ሩስያ ከምዝክልክሎ ኣጠንቂቑ


መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሩስያ
መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሩስያ

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ፕረስን ሓቂን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ምጥቃዕ ተጸሚዳእላ ክትብል ኣመሪካ ትማሊ ረቡዕ ገሊጻ።

ኣመሪካ ነዚ ዝበለት ንመሓውራት ዜና ዝምልከት ሕጊ ዘውጽእ ኣካል ሞስኮ ንሓያለ ማዕኸናት ዜና ድሕሪ ምዕጻውን ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ሩስያ እውን ከምትኽልኽሎ ድሕሪ ምጥንቃቑ እዩ።

ወሃቢ ቃል ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ሩስያ ድሕሪእቲ ኣብ ዩክረይን ዝገበረቶ ወራር ንምግጋይን ሓቂ ንምዕፋንን ጻዕርታታ ኣሓይላእላ ህዝቢ ሩስያ ኸኣ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ እቲ ሓቂ ክፈልጦ መሰል ኣለዎ ኢሎም ።

ዕፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንዲፕሎማሲ ብቁም ነገር ዝርእዮ እንተኾይኑ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎ ይፈልጥእዩ። ንሰላማውያን ሰባት ምድብዳቡ ብህጹጽ ጠጠው ከብሎ ኣለዎ፥ ሓይልታቱ ካብ ዩክሬን ክወጹ ክእዝዝ ኣለዎ፥ ሩስያ ነቲ ጎንጺ ንምዝሓሉ ከም ዝተዳለወት ንዓለም ብንጹር ከርኢ ኣለዎ። እዚ ግን ገና ኣይረኣናን ዘለና ዕኢሎም።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ኒውዮርክ ዝመደብሩ ተሓላቂ ጋዜጠኛታት ሓዊሱ ጉጅለታት ተሓላቕቲ መሓውራት ዜና ሩስያ ነቲ ኹናት ብዝምልከት ዝቐረብ ጸብጻባት ንምቕያድን ንምግታእን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኮኒኖምእለዉ።

XS
SM
MD
LG