ዋሽንግተን —
ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ሶማል ትማሊ ሰንበት ኣብ ሓደ ፍሉጥ ሆቴል ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 15 ከም ዝበጽሑ ሰበ-ስልጣን ሕክምና ይገልጹ`ለዉ ብውሕዱ 20 ከም ዝቖሰሉ`ውን ሓቢሮም። ካብ መንጎ`ቶም ዝተቐተሉ እቶም 4 ካብቶም ኣጥቃዕቲ`ዮም ተባሂሉ`ሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ብናይ መኪና ቦምብ ጀሚሩ ስዒቡ ወታሃደራዊ ክዳን ዝተኸደኑ ዕጡቓት ኣልሸባብ ነቲ ሆቴል ኣጥቂዖም: ገሊኦም ብፖሊስ ሓደ ድማ ነብሱ ብምጥፍእ ምስ ሞቱ ድማ እቲ ጉዳይ ተወዲኡ። ካብ መንጎ ዝሞቱ ክልተ ካብ ወጻኢ መጺኦም ሕጽኖቶም ኣብቲ ሆቴል ዘሕልፉ ምንባሮም`ውን ተፈሊጡ`ሎ።
ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ተገሊጹ`ሎ። ካብ መንጎኦም ሓደ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ሶማል ምንባሩ`ውን ተፈሊጡ`ሎ።