ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምፍራስ ድልድል ህንዲ ዝተጠርጠሩ 9 ሰባት ኣብ ቐይዲ ኣትዮም


ብሰንኪ እቲ ኣብ ክፍለ ሃገር ጉጀራት ህንዲ ዝፈረሰ ቢንቶን ዝሳዓበ ሞት 141 ሰባት ዝተጠርጠሩ ትሸዓተ ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ፖሊስ እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት፣ ሰራሕተኛታት እቲ ነቲ ቢንቶ ዝሓደሰ ኩባንያ ከምዝኾኑ፣ ገና ተወሰኽቲ ሰባት ክእሰሩ ከምዝኽእሉ ጠቂሱ ኣሎ።

ኣስታት 150 ዓመታት ዘቁጸረ ድልድል ሩባ ማቹቹ፣ ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሕድሳት ብናይ ውልቀ ኩባንያ፣ መንግስታዊ መረጋገጺ ከይረኸበ፣ ኣብዚ ቀረባ ንኣገልግሎት ክፉት ከምዝተገብረ መሓውራት ዜና’ታ ሃገር ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG