ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምግታእ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ዘተባብብዕ ውጽኢት ከምዝተመዝገበ ሚ.ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ


ኣብ ምግታእ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ዝተመዝገበ ውጽኢት ነቲ ለበዳ ናብ ዜሮ ንምውራድ ትስፍው ኣንፈት ዝህብ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓላፊት ኣሃዱ ምቁጽጻር ሕማም ኤይድስን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሲስተር ንግስቲ ተስፋሚካኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።

ኣብ ሓፈሻዊ ህዝቢ እቲ ቁጽሪ ትሕቲ 1% ከምዝወረደን ካብ ምትሕልላፍ ኣደ ናብ ዕሸል ዳርጋ ናብ ዜሮ ከምዝወረደን ሲስተር ንግስት ወሲኻ ኣረዲኣ።ኣብ እዋን ኮቪድ 19 ናይ መናውሒ መድሃኒት ጸገማት ከምዘይነበረ ዝተዛረበ ኣቦ መንበር ማሕበር ብድሆ ኤርትራ ኣቶ ዳንኤል ኣስፍሃ ኣብ ንጥፈታት ናይ’ቲ ማሕበርን መነባብሮ ኣባላቱን ግን ጽልዋ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG