ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ጎንደር ጥርጡራት ገበነኛታት ከህድሙ ዝፈተኑ 4 አባላት ምክልኻል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም


ጎንደር - ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ንጥርጡራት ገበነኛታት ከህድሙ ዝፈተኑ ኣርባዕተ አባላት ምክልኻል ብምትሕግጋዝ ሕብረተሰብን አባላት ጸጥታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

እቶም ኣርባዕተ አባላት ምክልኻል ብገበን ምልዕዓል ብሄር ተኾር ጎንጺ ዝጠፍኣ ህይወትን ንብረትን ንዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ክህድሙ ፈቲኖም ብዝብል ክሲ ኣብ ምርመራ ከምዘለው’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ውጽኢት ምርመራ ንህዝቢ ከምዝግለጽ’ውን ሰበ ስልጣን ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG