ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ጉጂ ብዝተፈጥረ ግጭት ንብረቶም ዝዓንዎም ሰብ ሃብቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን ይጽናዕ ከምዘሎ ተገሊጹ


ፋይል- ካብ ጌዶ ዝተመዛበሉ ነበርቲ
ፋይል- ካብ ጌዶ ዝተመዛበሉ ነበርቲ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ወረዳታት ቀርጫ፣ሃምባላን ዋማን ኣብዝተፈላለዩ ጣቢያታት ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ንብረቶም ዝዓነዎም ሰብ ሃብቲ ኣቕረብቲ ቡን ዘቕረብዎ ማመልከቻ ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝበፅሖን ዝርዝር ናይቲ ጥርዓን ይፅናዕ ከምዘሎን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሎሚ ተመሳሳሊ ሽግር ንዘጋጠሞም ሰብ ሃብቲ ዝሓገዞ ልዕሊ 1.16 ቢሊዮን ብር ከምዝበፅሐ ኣማኻሪ ናይቲ ኮሚሽን ኣቶ ይስፋልኝ ወልደኣማኑኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው።

ዝተሓፀበን ደረቕን ቡን ብምቕራብ ክሰርሑ ዝፀንሑ ተወልደቲ ገድዮን ዝኾኑ 27 ሰብሃብቲ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ምዝንባሎምን ንብረቶም ምዕናውን ብምሕባር መንግስቲ ካሕሳ ክኸፍሎም ንቀዳማይ ሚንስትር ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG