ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ብዝተላዕለ ዓሌታዊ ግጭት ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 87 ክብ ምባሉ ተሓቢሩ


ብሰንኪ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጥረ ዓሌታዊ ግጭት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 87: ዝቆሰሉ ድማ ናብ 191 ክብ ከምዝበለ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ አል ጄነይና ዝተወለዐ ግጭት፣ 3,300 ሰባት ከምዝተፈናቀሉን ኣብ መስጊድ፣ ህንጻታትን ቤት ጽሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት (ኦቻ) ሕቡራት ሃገራት ተዓቑቦም ከምዘለውን እቲ ዜና ይሕብር። ገሊኦም’ውን ናብ ቻድ ሃዲሞም ኣለው።

ኦቻ ዘውጸኦ መግለጺ "ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዛት ከምዘድሊ" ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG