ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንጹሃን ዜጋታት ብዕጡቓት ምቕታሎም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ገንቤል ትማሊ ሰሉስ ምሸት ንፁሃን ዜጋታት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ናይቲ ዞባ እውን 28 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 14 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ኣረጋጊፆም።ፈፀምቱ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ እዮም ክብሉ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ሓደ ንደሕንነቶም ብምስጋእ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ "ኦነግ ሸኔ’’ ዝተብሃለ ዕጡቕ ጉጅለ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ኢሎም።

"ትማሊ ምሸት ስዓት ክልተ ኣብ ዓሌት ኣምሓራ ዘተኮረ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጭፍጨፋ ተፈፂሙ ልዕሊ 50 ሰብ ሞይቱ ኣሎ።መንነት ተኮር ዝኾነ ህጻናትን ዓብይን ኮታስ ዝተረኸበ እዩ ብኦነግ ሸኔ ተቐቲሉ" ኢሎም።

ኣቶ ኣድነው እያሱ ዝተብሃሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ምዃኖም ዝገለፁ ብወገኖም በቲ መጥቓዕቲ ካብ መንጎ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሎሚ ከምዝተቐበሩ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ዞባ ኣቶ ኣብዩ ምህረቱ ትማሊ ምሸት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 28 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 14 ምቑሳሎም ብምግላፅ ፈፀምቱ ድማ ዕጡቓት ኣባላት ኦነግ ሸኔ እዮም ኢሎም።

"ኣነ ለይቲ ስዓት ትሽዓተ እየ ሰሚዐ።ምስ ሰማዕና ናብቲ ቦታ ከይደ እየ።እቲ ዝተፍፀመ እውን ኣረጋጊፀ።እቲ ሽግር ወሪዱ ዘሎ ፀረ ሰላም ሓይልታትን ናይቲ ጁንታ ተለኣኣኽቲ ዝኾኑን ‘’ኦነግ ሸኔ’’ ዝፈፀምዎ ምዃኖም ኣረጋጊፀ እየ" ኢሎም።

ነቲ መጥቓዕቲ ካብ መንጎ ዝፍፀሙ ዕጡቓት ሰለስተ ተቐቲሎም ኣለው ኢሎም።

ካብ ክልል ኦሮሚያ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ "ትማሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ ወረዳ ገንቤል ጣቢያ በቦኔ ኦነግ ሸኔ ብዝወሰዶ ናይ ሽብር መጥቓዕቲ ቁፅሮም ዘይተነፀሩ ሰባት ተቐቲሎም’’ ክብል ኣብ ፌስቡክ ገፁ ፅሒፉ ኣሎ።

መንግስቲ "ኦነግ ሸኔ’' እናበለ ዝፅውዖም ንርእሶም "ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ’' ኢሎም ዝፅውዑ ደባይ ተዋጋእቲ ኣዛዚ ሰራዊት ዞባ ምዕራብ ኩምሳ ድሪባ ቅድሚ ሎሚ "መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ኣይንፍፅም"ምባሉ ይዝከር::

XS
SM
MD
LG