ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ብዕጡቓት ምቕታሎም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ሓደ በዓል ስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ካብ ዕጡቓት ተተኲሱዎም ከምዝተቐትሉ ናይቲ ዞባ ኣማሓዳር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣማኻሪ በዓል ስልጣን መንገዲ ክልል ኦሮሚያ ዝኾኑ ኣቶ ቶላ ገዳ ናብ ዞባ ቄለም ወለጋ ይጉዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ወረዳ ላሎ ኣሳቢ መንንቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣቶ ኤሊያስ ኡመታ ገሊፆም።

ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ዕጡቓትን ኣብታ መኪና እንተነበሩ እውን ካልእ ዝወረደ ጉድኣት የለን ተባሂሉ’ሎ።መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ አካላት ምህዳሞም ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዞባ ቀሌም ወለጋ ትማሊ ሓሙስ ኣርባዕተ መናእሰይ ተቐቲሎም ኢሉ ሓደ ንድሕነተይ ስለዝሰግእ ሽመይ ኣይጠቐስ ዝበለ ነባሪ እቲ ዞባ ሓቢሩ’ሎ። ብዛዕባ’ዚ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ኤሊያስ ግን ሓበሬት ምስረኸቡ መብርሂ ከምዝህቡ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ናይ ቅንፀላ ፈተናታት ከምዝተኻየዱ ኣቶ ኤሊያስ ገሊፆም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG