ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮምያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዱ ተገሊጹ


ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮሚያ ቀንዲ መንገድታት ዝዓፀወ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምክያድ መንግስቲ ንኦነግ ዕጥቑ ብሓይሊ ንምፍታሕ ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ተቓዊሞም።

ብመሰረት ስምምዕ እናሰራሐ ምዃኑ ዝገለፀ ኦነግ መንግስቲ ሰራዊቱ ብብዝሒ ምውፋሩ ግልፂ ኣይኮነን ይብል።

መንግስቲ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዕጥቒ ንምፍታሕ ምንቅስቓሱ ንምቅዋም ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ፣ምብራቕ ወለጋ፣ቀሌም ወለጋን ዞባ ጉጂን ሰልፊ ምክያዱ መሰኻኽር ይዛረቡ።ሓደ ምስክር ከምዚ ይብል።

“ብፍላይ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ምድንጋር ላዕለዋይ ኣካል ኦነግ ምስ መንግስቲ ተሰማሚዑ እንተኾይኑ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ፀገም ንምንታይ ክፈትሑ ኣይክኣሉን።ስለምንታይ ህዝቢ ይርበሽ ኣሎ ዝብል ሕቶ እውን ኣብቲ ህዝቢ ስለዘሎ እዩ ግጭት ዝስማዕ ዘሎ።”

ኣብ ከባቢ በጊን ጊዳሚን ከቢድ ወታደራዊ ምንቅስቓስን ቶኽስን ከምዘሎ ካልእ ነባሪ ይገልፅ።ንሱ ”ሰራዊት ወያነ ዝፅዓና 15 ኦራል መካይን ኣትየን ሰራዊት ኦነግ ኣምፅኡ እናበሉ ነቲ ህዝቢ ብምግልትኦም ግጭት ተፈጢሩ’’ ይብል።

ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበስልጣን ክልልን ፌደራልን መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ናይ ኦሮሞ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኣቶ ኣብደታ ዋጋሪ ቶኽሲ ይስማዕ ከምዘሎ ብደረጃ ወረ ካብ ምስማዕ ብጭቡጥ ንፈልጦ የለን ኢሎም።

ኣቦ ወንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣብ መንጎ መንግስትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዘሎ ስምምዕ ንምፍፃም ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ብሰፊሑ ንቀሳቐስ ኣለና ድሕሪ ምባል እቲ ሕቶ ካልእ እዩ ይብሉ።

“ሰላም ኣብዘለዎ ሰራዊትና እውን ኣብዘለውዎ ኮይኖም ምስ መንግስቲ እናተዘራረብና ስምምዕና ግብራዊ ንምግባር እናተንቀሳቐስና ኣብ እንርከበሉ ስለምንታይ እዩ ሰፊሕ ወታደራዊ ምንቅንስቓስ ዘሎ።”

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዕጥቑ ክፈትሕ ከምዘለዎ ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ገሊፆም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ምዕራብ ክልል ኦሮምያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዱ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:19 0:00

XS
SM
MD
LG