ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ውልቀሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ስድርኦም ገሊጾም


ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ገለ ከተማታትን ወረዳታትን ውልቀሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ስድርኦም ገሊፆም።

ሓላፊ ፀጥታ ማእሰርቲ ይፍፀሞም ካብ መንጎ ዝተባህሉ ዞባታት:ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ሰዮ ኖሌ ኣብ ወረድኦም ዝተኣሰሩ ብዝፈፀምዎ ገበን እምበር ንደባይ ተዋጋእቲ ትድግፉ ኢኹም ብዝብል ዝተኣሰረ የለን ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ንዝተልዓሉ ናይ ማእሰርቲ ጥርዓናት ብዝምልከት ንሓለለፍቲ ንምርካብ ዝተግብረ ፃዕሪ እውን ኣይሰለጠን።

ቅድሚ ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ መልሲ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብያተ ማእሰርቲ ዕፁዋት ብምዃኖም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ከምዘይተኽኣለን እቲ ምርመራ እውን ግዜ ከምዝወስድን ገሊፆም ነይሮም።

ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን እውን ጥርዓን ከምዘይቀረበሉ ገሊፁ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG