ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራባዊ ጀርመን ብዘጋጠመ ዝናብን ውሕጅን 100 ሰባት ሞይቶም


ሰበስልጣን ምዕራባዊ ጀርመን ሓያልን ዝናብን ከቢድ ውሑጅን ብውሑዱ ን100 ሰባት ቀቲሉ ልዕሊ 1,000 ሰባት ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ጀርመን ኣንድሪያስ ፍረይድሪክ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቡዎ ቃል "ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ 100 ዓመት ዝርኣይ ዝናብ ሪኢና ኣለና’’ ኢሎም።

ሬድዮ ጀርመን ዲዎቸ ዌለ መብዛሕቲኡ ናይ ህይወት ሓደጋ ዝወረደ ኣብ ሰሜን ሪነን ዌስትፋሊያን ሪነላን ፓላቲኔትን ዝተባህሉ ከባቢታት ኮይኑ ኣህርዌይለር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ድማ ሃለዋት 1,300 ሰባት ከምዘይተፈልጠ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ኽፋል እቲ ከባቢ ኣገልግሎት ኢንትርኔትን ስልክን ብምቁራጹ ነቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስራሕ ኣተዓናቒፉ'ሎ።

ካብቲ ቦታ ብሰብ አልቦ ካሜራ ዝተቐርጹ ቪዲዮታት ከምዘርእዩዎ ኣባይቲ ከምኡ'ውን መንገድታትን ቢንቶታትን ብውሕጅ ተዋሒጦም ኣለው።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG