ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራባዊ ወገን ካሜሮን ሕማም ሸሮኽ የስፋሕፍሕ ኣሎ


ዞባዊ ሆስፒታል ባፋሶም -ፋይል
ዞባዊ ሆስፒታል ባፋሶም -ፋይል

ናብ ናይጀሪያ ኣብ ዘዳውብ ምዕራባዊ ክፋል ካሜሮን ሕማም ሸሮኽ ብምልባዑ፡ ማእከላት ጥዕና ልዕሊ ዓቐን ሕሙማት ክሕግዛ ይግደዳ ከም ዘለዋ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

ኣብተን በቲ ለብዒ ዝተሃስያ ሰለስተ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ጥራይ ኣስታት 600 ዜጋታት ብሕማም ሸሮኽ ተለኺፎም ንሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዝመጹ እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር። ድሮ 12 ካብቶም ናብ ሕክምና ዝመጹ ምማቶም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ንለብዒ እቲ ሕማም ንምግታእ፡ ሰብ-ሞያ ጥዕና ገዛ-ገዛ እናኸዱ፡ ዜጋታት መግቢ ብግቡእ ከብሱሉን ጽሬት ክሕልዉን የዘኻኽሩ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካልእ ወገን ካሜሮን ዝተራእየ ለብዒ ሸሮኽ ህይወት 1,300 ሰባት ከም ዝወሰደ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ያውንደ ጸብጺቡ።

XS
SM
MD
LG