ኣብ ጅቡቲ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ምግጣሙ ተገሊጹ።መንግስቲ ጅቡቲን ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተራእየ ዓቐን ዝናብ ማዕረ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ዝተራእየ ምኳኑ ይገልጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኬንያን ሶማልን ሓዊሱ ሓያለ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ዝናብን ምዕልቅላቕ ውሕጅን የጋጥመን ምሕላው ይግለጽ ኣሎ።
ሎሚ ሓሙስ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ መንግስቲ ጅቡቲን ሕቡራት ሃገራት ርብዒ ሚልዮን ሰባት በቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ምጽላዎም ይሕብር። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝረአ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መወዳእታ’ዚ ወርሒ’ዚ ዳግማይ ከጋጥም ከምዝክእል የተንብሁ።
ጅቡቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዓለምን ምውሳኽ ትሕዝቶ ማያት ማያዊ ክፍሊ ዓለም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ካብ ዝርከብ ሃገራት ሓንቲ ምኳና ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ሶማል’ውን ኣብ ቀረባ መዓልታት ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ምግጣሙ ይፍለጥ።
ኣብ ኬንያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅን ምንሽርታት መሬትን 120 ሰባት ምሟቶም መንግስቲ’ታ ሃገር ይሕብር።
ሰብ ሞያ ብወገኖም ሕክምና ብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብገፊሑ ከመሓላለፉ ይክእሉ’ዮም ክብሉ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ ኣለው።