ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምምሕያሽ ቆጠብቲ ጸዓት ኤለክትሪክ ዝነጥፍ በዓል ሞያ ኤለክትሪክ


ቆጠብቲ ጸዓት ሞጎጎ
ቆጠብቲ ጸዓት ሞጎጎ

እስቲፋኖስ ኣስናቀ ይበሃል።ኣብ ደቀምሓረ ዝነበር፡ኣብ ምምሕያሽ ቆጠብቲ ጸዓት ሞጎጎታት ዝነጥፍ በዓል ሞያ ኤለክትሪክ’ዩ።ጠንቂ ምብራስ ኣግራብ ንዝኾነ ናይ ዕንጸይቲ ሞጎጎን ሞቕሎን ኣመሓይሹ ብምስራሕ ምብራስ ኣግራብ ንምጉዳልን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንምውጋዱን ሓሊኑ ይሰርሕ ከምዘሎን ድሮ’ውን ሃልኪ ኤለክትሪክ ብፍርቂ ተጉድል ሞጎጎን ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ሞቕሎን ከምዝሰርሕን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ’ሎ።ምስራሕ ናይ’ዘን መብሰሊ መግብታት ብዓብዩ ኣብ ምክልኻል ምብራስ ኣግራብ ካብ’ኡ ሓሊፉ’ውን ወጻኢታት ኣብ ምጉዳል፡ጥዕና ኣብ ምሕላውን ኣሳልጦን ረብሓታት ከምዘለዋ እስቲፋኖስ ተዛሪቡ’ሎ።

እስቲፋኖስ ኣስናቀ
እስቲፋኖስ ኣስናቀ

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኣብ ምምሕያሽ ቆጠብቲ ጸዓት ኤለክትሪክ ዝነጥፍ በዓል ሞያ ኤለክትሪክ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:06 0:00


XS
SM
MD
LG