ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማይንማር ዝርከቡ ውሑዳን ብሄረሰብ ሮሂንጋ ካሕሳ ካብ ፈይስቡክ ይሓቱ`ለዉ


ኣብ ባንግላደሽ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሮሂንጋ
ኣብ ባንግላደሽ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሮሂንጋ

ኣብ ማይንማር ዝርከቡ ውሑዳን ብሄረሰብ ሮሂንጋ ካሕሳ ካብ ፈይስቡክ ይሓቱ`ለዉ።

ንሳቶም ኣብ ልዕሊኦም ጭፍጨፋ ንንክፍጸም ናይ ጽልኢ ዘረባታት ኣብ ምዝርጋሕ ፈይስቡክ ተራ ኔርዎ ብዝብል`ዮም ካሕሳ ዝሓቱ ዘለዉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ፈይስቡክ ኣብ ምግዳድ`ቲ ጎንጺ ዝነበሮ ተራ ዘመልክት ሪፖርት ኣውጽኡ`ዩ።

ወዲ 21 ዓመት ማውንግ ሳውየዶላህ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብቲ ኣብ ባንግላደሽ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት`ዩ ዝነብር። ብፈይስቡክ ንውሑዳን ሮሂንጋ ዒላማ ዝገብር ናይ ጽልኣት ዘረባ ምስ ተዘርግሐ እንታይ ከም ዘጋጠመ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል።

“ምስ መብዛሕትኡ ሰብ ብሰላም ኢና ንነብር ኔርና። ገለ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሕሉፋት ብሄርተኛታት ግን ኣብ ፈይስቡክ ኣንጻርና ጽልኢ ከንበድብዱ ጀሚሮም። ድሕሪኡ እቶም ምሳና ምስ ሮሂንጋ ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮም`ውን ሓሳቦም ተቐይሩ ኣንጻርና ጽልኢ ከልዕሉ ጀሚሮም” ይብል።

ፈይስቡክ ኣብ ማይንማር ዘይሻራዊ ባይታ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እንተኾነ ንገለ ጸየቕቲ ከልግሶም ከምዝፈተነን ጎዶሎታት ከም ዝነበሮን ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ።

እንተኾነ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጸ ሓዲሽ ሪፖርት፡ ፈስይቡክ ዝህቦ ዘሎ መመኽነይታ ሓቂ ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ ነቲ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ኣብ ፈይስቡክ ከንበድብዶ ከሎ እኹል ስጉምቲ ኣይወሰደን ይብል። ድሕሪ ኣብ ፈይስቡክ ዝወጸ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ድማ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋ ጎንጻዊ ጽልኢ ከምዝጀመረ ይገልጽ።

ኣምንስቲ ድሕሪ ናይ ዓመታት ስምዕታ፡ ፈይስቡክ ጽልኣታዊ መልእኽትታትን ግጉይ ሓበኣምንስቲታን ከልግሶ ኣይክኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክሳብ`ቲ ናይ 2017 ጭፍጨፋ ብንጡፍ ኣንበድቢድዎን ኣጋዊሕዎን`ዩ ይብል። እቲ እዋን ኣብ ማይንማር ፈይስቡክ ዝገነነሉን ደቂ `ታ ሃገር ምስ ዓለም ዝራኸብሉ እንኮ መስመር`ውን ምንባሩ ነቲ ፍጻመ ዘጋደደ ካልእ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ። ኣብታ ዓመት`ቲኣ ልዕሊ 700 ሺሕ ሮሂንጋ ናብ ጎረቤቶም ዝኾነት ባንግላደሽ ሃዲሞም። ሓይልታት ጸጥታ ማይንማር ብጅምላዊ ጾታዊ ዓመጽን ቕትለትን ከምኡ`ውን ምዕናው ኣባይቲ ሮሂንጋ ይኽሰሱ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል“ሜታ ሓደገኛ ኣካይዳ ተጠቒሙ ልዑል መኽሰብ ኣብ ዘናድየሉ ዝነበረ እዋን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣበክሮቶ ጌሩ`ዩ" ይብል። ወሃቢ'ቓል እቲ ባይታ ፈይስቡክ ዝጥቀም መታ ዝተባህለ ካምፓኒ ብዛዕባ`ቲ ኣምነስቲ ዘውጽኦ ሪፖርት ምላሽ ክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን። ብጽሑፍ ክገልጽ ከሎ ግን “ እቲ ካምፓኒ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብሓድነት ደው ከምዝብልን እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሮሂንጋ ገበን ዝፈጸሙ ታትማዳው ብተሓታትነት ክትሓዙ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከምዝደጋገፍን ገሊጹ ኔሩ።

ራፋኤል ፍራንክሊን ኣብ ሜታ ኤስያ ፓሲፊክ ዳይሬክተር ህዝባዊ ፖሊሲን ዕዳጋን ኣብ መግለጺኡ “ኣብ ማይንማር ንህቦ ውሕሰትን ዕቱብነትን ካብ ዘቤታውን ኣህጉራውን ትካላት ብፈይስቡክ ዝምራሕ`ዩ፡ ንሱ ድማ ምስ ተልእኮ ኣጻራይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማይንማር ዝሳነ`ዩ"ኢሉ ።

እቶም ኣብ ባንግላደሽ ተዓቑቦም ዘለዉ ሮሂንጋ ግን ኣብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ጎንጻዊ መጥቃዕቲ ተራ ኔርዎ ብዝብል ንሜታ ካሕሳ ይሓትዎ ኣለዉ። ኣመሪካ ብወገና ኣብ መጀመርያ`ዚ ዓመት ነቲ ፍጻመ ምጽናት ዓሌት ኢላ ገሊጻቶ`ያ ።

ኣምነስቲ ዘውጽኦ ሪፖርት ምስ ስደተኛታት ሮሂንጋ ምስ ሰራሕተኛታት ሜታ ምስ ምሁራት ምስ ተሓለቕትን ካልኦትን ዝተገብረ ቃለ፡-መጠይቓት መሰረት ዝገበረ`ዩ። ከምኡ`ውን ፍራንሲስ ሃውገን ዝተባህለ ቀደም ኣብ ፈይስቡክ ክኢላ ዳታ ዝነበረ ንኮንግረስ ዝሃቦ ሓበረታ መሰረት ዝገበረ`ዩ።

ሜታ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ማይንማር ኣብ ዝግበር ጽምዶ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ፡ ዝልጠፉ ትሕዝቶታት ኣብ ምእላይን ምምሕያሽ ከምዘርኣየን`ውን እቲ ሪፖርት ይጠቅስ`ዩ። ንኣብነት ዝሓለፈ ጥሪ 2021፡ ጎንጻዊ ዕልዋ ነቲ መንግስቲ ምስ ኣውደቖ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብቲ ናይ ሜታ ፈይስቡክ ኣጊድዎ`ዩ።

እንተኾነ ነቐፍቲ፡ ገለ ሰራሕተኛታት ፈይስቡክ ሓዊስካ ከምኡ ዓይነት ኣቀራርባ ብሓቂ ኣይክሰርሕን`ዩ ዝብል መጎተ የቕርቡ።

“እዚ ዓይነት ናይ ኮምፒተር ቅመራዊ ኣስራርሓ ንሰብኣዊ መሰላት ሓደገኛ`ዩ ዝበለ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ተማራማሪ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ፓት ደ ብሩን፡ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋ ዘጋጠመን ተሳትፎ ፈይስቡክን ኣብ ዙርያ ዓለም ብዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ንርእዮ ዘለና`ዩ" ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ “እቲ ካምፓኒ ማለት ሜታ፡ ንሱር ጠንቂ`ቲ ጽልዋ ሰብኣዊ መሰላት ክፈትሖ ኣይክኣለን ወይ ኣይደለየን" ይብል።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ተልእኮ ምጽራይ ጭብጢ ማይንማር፡ ፈይስቡክ ኣብ ግፍዕታት ሮሂንጋ ዝነበሮ ተራ ምስ ኣውጽአ፡ ሜታ ኣብ 2018 ሓደ ናይ እምነት ቃል ኣስሚዑ`ዩ፡ መርበብ ሓበሬታና ጎንጽን ጽልእን ኣብ ትኹቷኽ ተራ ከይህልዎ ኣብ ምክትታትል እኹልክት ትል ኣይገበርናን ዝብል እምነት ኣስሚዑ።

ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ድማ ኣብ ማይንማር ገለ ምምሕያሻት ከም ዝገበረ እንተኾነ እኹል ከምዘይኮነ ኣምነስቲ ይገልጽ።

ኣብ 2020 ንኣብነት ሰለስተ ዓመት ድሕሪ`ቲ ኣሸሓት ሮሂንጋ ሞስሊም ዝቐተለን 7- ሺሕ ዘፈናቐለን ጎንጺ፡ ፈይስቡክ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብኡ-ዊራቱ ዝብሃል ዝተዘርግሐ ጸረ-ሮሂንጋ ቪድዮ ብኸመይ ኣብ መርበቡ ይዝወር ከም ዝነበረ መርመራ ኣካይዱ`ዩ።

እቲ መርመራ ከምዘርኣዮ፡ ልዕሊ 70% ነቲ ቪድዮ ዝርኣዩ፡ብሰንሰለት ዝመጾም`ዮም። ማለት ባዕሎም ፈትሾም ዝረኣይዎ ዘይኮነስ በቲ ናይ ኮምፒተር ቅመራዊ ኣገባብ ተዳልዩ ዝምገቦም ዝነበረ ምዃኑ`ዩ። ድሕሪኡ ዊራቱ ካብ ካብ ፈይስቡክ ተኣጊዱ።

ስደተኛታት ሮሂንጋ ሕጂ ካብቲ ኣብ ካሊፎርናያ ዝመደበሩ ማሕበራዊ ሚድያ ብምልዕዓል ምጽናት ዘርኢ ካሕሳ ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያ ክልተ ክስታት ዘለዎ ሜታ ድማ ንስደተኛታት ሮሂንጋ 150 ቢልየን ክኸፍል ተባህሉ ዛጊት ኣብዩ ይርከብ።

“ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋ ምጽናት ዓሌት ዝኾነ ብምኽንያት ፈይስቡክ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን ዝበለ ሳውየዶላ፡ ጽልኢ ንክዘርኡን ወፍሪ ክውድቡን ፈይስቡክ ይጥቀሙ ኔሮም፡ ፈይስቡክ ግን ትም መሪጹ” ክብል ክሱ ኣቕሪቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG