ዋሽንግተን —
ክልተ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓላት ጀልባ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት 43 ምሟቶም ሓቢሮም።
ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ካብ ዛውየ ዝተባህለ ቦታ ዝተበገሰት ጀልባ ድሕሪ ምብጋሳ ብዘጋጠማ ናይ ሞተር ጸገምን ማዕበልን ምጥሓላ ሓቢሮም።
ዓለምለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን 10 ሰባት ምድሓኖምን እቶም ዝደሓኑ ኩላቶም ደቂ ተባዕትዮ ዜጋታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ምኳኖም ገሊጹ'ሎ።
እተን ትካላት ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ናይ መግቢ ማይን መድሃኒት ኣገልግሎት ምሃቦም ብምግላጽ ኣብ ዓመተ 2021 ዘጋጠመ ፈላማይ ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።