ዋሽንግተን —
ሓንቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓዊ ነዲዳ፥ ብውሑዱ ሰለስተ ስደተኛታት ሞይቶም ሽዱሽተ ቆሲሎም፡ ሓደ ድማ ሃለዋቱ ዘይተረኽበ ከምዘሎ ፖሊስ ኢጣልያ ኣፍሊጡ።
እታ ጃልባ ናብ ወደብ ኢጣልያ ክትጽጋእ ምስ ቀረበት ሞተራ ተተኩሱ ሓዊ ዝተባርዓት ፖሊስ ኢጣልያ ወሲኹ ይገልጽ።
ኣብታ ጃልባ ክንደይ ስደተኛታት ከምዝነበሩ ንጹር ኣይኮነን።
ብኻልእ ወገን ነበርቲ ደሴት ላምፓዱሳ፥ ኣብ እዋን ቫይረስኮሮና ልዕሊ ዓቅምና ስደተኛታት ይመጹና`ለዉ ዝብል ተቓውሞታት የስምዑ`ለዉ። ከንቲባ`ታ ደሴት`ውን መንግስቲ ኢጣልያ ተወሳኺ ሓገዝ ክሳብ ዝገብር እቲ ኣድማ ክቕጽል ጸዊዑ`ሎ።
መንግስቲ ኢጣልያ ብወገኑ ሰለስተ መወሸቢ ኮቪድ-19 መራኽብ ናብቲ ቦታ ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።