ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእከላዊ ጎንደር፡ደንብያን ጭልጋን ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብዝተለዓል ግጭት ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም


ከተማ ጎንደር
ከተማ ጎንደር

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ማእከላዊ ጎንደር፡ ደንብያን ጭልጋን ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ኣብ መንጎ ነበርቲ ግጭት ምልዓሉ ተገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ቅማንትን ኣምሓራን ምዃኑ ዝተነግረሉ ግጭት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ሰላምን ደሕንነትን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ ግጭት ሓደ አባል ሰራዊት ምክልካል ከምዝሞተን ኣስታት 70 ዝኾኑ አባይቲ ከምዝነደደን ተገሊጹ’ሎ።

ግዳያት’ቲ ጎንጺ ኢና ዝበሉ ተወላዶ ኣምሓራ ብስም ቅማንት መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ብህውሓት ብሕቡእ ዝተወደቡ ዕጡቓት’ዮም ክብሉ ንሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ካብ ወገን ቅማንት ዝኾኑ ከአ አለዓዓልቲ’ቲ ጎንጺ ንሕቶ መንነት ቅማንት ክዕፍኑ ዝደልዩ ሓይልታት’ዮም፡ ፖሊስ’ቲ ክልል’ውን ምስኣቶም ወጊኑ ክብሉ ይኸሱ ።

ቤት ጽሕፈት ሰላምን ደሕንነትን እቲ ክልል ነቲ ግጭት ዘለዓዓሉ ሰላምን ምርግጋእን ከይዓስል ዝደልዮም ብምባል ብተወሳኺ ግጭት ዘልዓሉ ካብቲ መሓውር’ቲ ክልላዊ መንግስቲ ዝወጹ ሰለስተ ቀበሌታት’ዮም ብሕቡእ ወታሃደራዊ ስልጠና ይወሃቦም ከምዝነበረ’ውን አረጋጊጸ አለኹ ኢሉ’ሎ።

ንቅማንት ብሕቡእ ወታሃደራዊ ስልጠና ብምሃብ ዝተኸሰሰ ህውሓት’ዩ ምላሽ ህውሓት ንምርካብ ናብ መቐለ ደዊልና ኣይቐንዓናን።

XS
SM
MD
LG