ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማሊ ዝተፈተነ ዕልዋ ምፍሻሉ ተገሊጹ


ባማኮ ዋና ከተማ ማሊ
ባማኮ ዋና ከተማ ማሊ

ኣብ ማሊ፣ ደገፍ ምዕራባዊያን ዝኸሰቡ መኮንናት ሰራዊት ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈተንዎ ዕልዋ ከምዝፈሸለ፣ ወትሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ወሃቢ ቃል’ቲ መንግስቲ ኮሎኔል ዓብዱላዬ ማይጋ "መድሓርሓርቲ መኮንናትን ተሓባበርቶምን ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ዕልዋ ፈቲኖም ነይሮም፣ ብምዕራባዊያን ዝድገፉ እዮም ነይሮም፣ እንተኾነ ፈሺሉ" ከምዝበለ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ብቴሊቭዥን’ታ ሃገር ከምዝወጸ እንተኾነ ጽጹይ ሓበሬታ ከምዝጎድሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት ክልተ ዓመታት፣ ማሊ ክልተ ጊዜ ዕልዋ መንግስቲ ዝተካየደላ ሃገር ምዃና ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG