ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማሊ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 3 አባላት ዓቐብቲ ሰላም ሕ/ሃ ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ማሊ ሓንቲ ዓቀብቲ ሰላም ሕ/ሃ ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጕ ሰለስተ ኣባላት ሰራዊት ከምዝሞቱን ሰለስተ ካልኦት ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እስላማዊ ሚልሻን ምስ ኣል-ቃይዳ ዝወገነ ዳዕሽ ማሊን፣ ኣብ ሰሜን ማሊ ንዓሰርተታት ዓመታት ክዋግኡ ምጽንሖም ይዝከር።

ኣብ ኒውዮርክ ርእይቶ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ስቴፈን ዱጃሪክ ‘እቶም ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ምጽራግ ዝተቀብሩ ፈንጂታት ተዋፊሮም ከምዝነበሩ’ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራሕ ኣብ ማሊ 12 ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ከምዝሞቱ’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG