ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማሊ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 3 አባላት ዓቐብቲ ሰላም ሕ/ሃ ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ማሊ ሓንቲ ዓቀብቲ ሰላም ሕ/ሃ ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጕ ሰለስተ ኣባላት ሰራዊት ከምዝሞቱን ሰለስተ ካልኦት ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እስላማዊ ሚልሻን ምስ ኣል-ቃይዳ ዝወገነ ዳዕሽ ማሊን፣ ኣብ ሰሜን ማሊ ንዓሰርተታት ዓመታት ክዋግኡ ምጽንሖም ይዝከር።

ኣብ ኒውዮርክ ርእይቶ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ስቴፈን ዱጃሪክ ‘እቶም ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ምጽራግ ዝተቀብሩ ፈንጂታት ተዋፊሮም ከምዝነበሩ’ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራሕ ኣብ ማሊ 12 ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ከምዝሞቱ’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።

Recommended

XS
SM
MD
LG