ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማለዥያ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ 14 ሰባት ሞይቶም፡ 70 ሽሕ ዜጋታት ኣማዛቢሉ


ኣብ በበይኑ ወገናት ማለዥያ፡ ንመዓልታት ብዝሃረመ ሓያል ዝናብ ሓያሎ ዓድታት ደብዩ፡ ቀንዲ መስመራት መጓዓዝያ እታ ሃገር’ውን ዓንዩ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ጸብጺቡ። በቲ ዝናብ ዛጊት 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 70 ሽሕ ዝበጽሑ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ወታሃደራት እታ ሃገር፡ ብጃላቡ ኣቢሎም ቀረባት መግቢን መስተን ከባጽሑ ይጽዕሩ ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር።

መንግስቲ ዝወሰዶ ተበግሶን ዘርኣዮ ግብረ-መልሲን ግን ነቲ ዝወረደ ዕንወት ዝዳረግ ዘይምዃኑ ሓያሎ ይነቕፉ።

መንግስቲ ዝንቀፈሉ ቀንዲ ጉዳይ ቅድመ-መጠቀቕታ ዘይምግባሩን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ዘይምሃቡን’ዩ። ንተመዛበልቲ ዘዕቍብ መጽንሒ ቦታታት ተፈልዩ ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ምስ መልከፍቲ ቫይረስ-ኮሮና ተወሳኺ ሕማማት ከየስዕብ ግን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ቅድሚ’ዚ ሕጂ ዘጓነፈ ሓያል ዝናብ፡ ኣብቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ዝናብ ኣቋሪጹ ምንባሩ ይሕበር። ዓለማዊ ዋዒን ምቅይያር ክሊማን ጠንቂ ከምኡ ዝመስል ዘይምስሩዕ ወቕቲ ምዃኑ ክኢላታት ይጠቕሱ።

XS
SM
MD
LG