ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዳጎኒ ማእከል የመን ዝጸንሑ 250 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም


ፋይል
ፋይል

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝጸንሑ 250 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብቐዳም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ሓቢሩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ብወገኑ ኣብ ሓደ ስታድዩም ከተማ ዓደን ኣብ ዝከፍአ ኩነታት ዘለው 1,986 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝመልስ ገሊጹ’ሎ።

እቲ ስርሒት ምምላስ ስደተኛታት ካብ የመን ደንጉዩ ብምጅማሮም ጸገም ክፈጥር ከምዝክእል ዘለዎም ስግኣት ሰራሕተኛታት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ይገልጹ።

ወሃቢት ቃል’ቲ ትካል ኣንጀላ ዌልስ “ እቲ ስርሒት ንሸሞንተ መዓልታት ክካየድ’ዩ ተወሲኑ። ይኹን ደአ እምበር ደንጉዩ ብምጅማሩ ካብቲ ዝተመደበሉ መዓልቲ ንደሓር ክንቕጽል ዝከአል እንተኮይኑ ንሓትት ኣለና” ድሕሪ ምባል ነቶም ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ንምሕጋዝን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ዝከአሎም ከምዝገብሩ ሓቢረን ኣለዋ።

ብፍቓድ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ዝሕገዝ መንግስቲ የመን 347 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገሮም ምምላሶም ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሰበ ስልጣን የመን መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ኣስታት 2,000 ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ዓደን ምግፋፎም ዝፍለጥ ኮይኖም እዚኦም ካብቶም 150,000 ስደተኛታት ኣብ ጎረቤት ስዑዲ ዓረብ ዝሓሸ ናብራን ስራሕ ዕድልን ንምርካብ ሓገጘኛ ጉዕዞ ብምፍጻም ናብ የመን ዝኣትው ስደተኛታት አካል ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣንጀላ ዌልስ እቶም ስደተኛታት ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ኣብ ኣል ማንሱራ ስታድዮም ከተማ ዓደን ተታሒዞም ዝጸንሑ ምዃኖምን ምድንጓይ ምምላስ እቶም ስደተኛታት ዝያዳ ስቅያትን ሞትን ከስዕብ ከምዝክእል ይገልጻ።

“ክሳብ ሕጂ 8 ሰባት ብሕማም ውጽኣት ሞይቶም፡ ሓደ ድማ ብሓለወቲ ዝተተኮሰ ጥይት ሞይቱ ስለዚ ኣብቲ ቦታ ዘለው ኩሎም እንተዘይወጺኦም ውጽኢቱ ዝኸፍአ ክኸውን እዩ።”

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰበ ስልጣን የመን ስደተኛታት ብምግፋፍ ናብቲ ስታድዮም ምእካብ ቀጺሎሞ ከምዘለው አባላት ዓለምለኸ ትካልስ ስደተኛታት ይሕብር።

XS
SM
MD
LG