ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ቆሲሎም


Robot 8.0 Image JPEG Koala.jpeg 2022-09-06 08:24:34
Robot 8.0 Image JPEG Koala.jpeg 2022-09-06 08:24:34

ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ኣብ ሓደ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ምስ ሓለውቶም ዘካየድዎ ጎንጺ ዝተሓወሶ ግጭት ሓያለ ስደተኛታት ምቁሳሎም ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም።

ኣብ ማእከላት መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተታሒዞም ከምዘለው ይግለጽ። በዚ ኹነታት ኣተሓሓዛ ዝተበሳጨውን እቲ ሕማቅ ኣተሓሕዛ’ውን መወዳእታ ዘለዎ ብዘይምምሳሉን እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ብቁጠዓ ከምዝተለዓዓሉ ዝተገልጸ ኽከውን ከሎ ፖሊስ ነዚ ህውከት ሓዘል ተቓውሞ ደው ንምባል ኣብ ዝተንቀሳቀሰሉ ኣስታት 50 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝቆሰሉን 2 ድማ ብጽኑዕ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ከምዝተዓቖቡ ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሻቢያ ማንቶ ገሊጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG