ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጀውሃር መሃመድ ዝተኸሰሱ ጥርጡራት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


አብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ጀውሃር መሓመድ ዝተኸሰሱ ጥርጡራት ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቀረቡ ተገሊጹ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ቆጸራ ቤት ፍርዲ፣ ብመሰረት ኣዋጅ ምስክር ጠበቃ፣ ዘቅረብኩዎም ምስክራት ስለድሕነቶም ተባሂሉ ብድሕሪ መጋረጃን ኣብ ዕጹው መጋባእያን ይቅረቡለይ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

ተኸሰስቲ ብወገኖም ንናይ ምክልኻል መሰልና ዝግድብን፣ ናይ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ዝእመን ኣይኮነን ኢሎም ንጥርዓን ዓቃቢ ሕጊ ንክነጽጎ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቶም እዮም።

ጠበቃ ተኸሰስቲ ኣቶ ከድር ቡሎ ነዚ ጉዳይ ዝመርመረ ቤት ፍርዲ፣ ነቲ ሕቶ ነጺግዎ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG