ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዓስከራት ሰመራን ኣጋቲናን ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምጅማሩ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ኣቶ መሓመድ ሑሴን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ከይዲ ምምላስ ትማሊ ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ ፈላማይ ጉዕዞ 358 ሰባት ናብ ኣብዓላ ምፍናዎም እቶም ካልኦት ድማ ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልታት ኣብዘሎ ጊዜ ናብ መረበቶም ከምዝምለሱ ሓቢሮም።
ካብ መንጎ እቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝዳለው ዘለው ሓንቲ እቶም ናይ መጀመሪያ ተጓዓዝቲ ትማሊ ብኣርባዕተ ኣውቶቡሳትን ክልተ ናይ ፅዕነት መኻይንን ናብ ኣብዓላ ከምዝተፋነውን ሎሚ ኣብ ኣፍዴራ ምብፀሖም ከምዘረጋገፀትን ገሊፃ ኣላ።
እቲ ከይዲ ምምላስ ብኮሚቴታት ኣቢሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምይይጥ ድሕሪ ምስላጡ ከምዝተጀመረ ዝሓበረት እታ ውልቀሰብ፣ ቅጥዒ እናመላእና ክንከይድ ንዳሎ ኣለና ክትብል ተዛሪባ። እንተኾነ ናብ ገዛና ምስ ተመለስና’ውን ንብረትና ብምልኡ በቲ ኲናት ስለ ዝዓነወን ዝተዘመተን ቀፃሊ ሓገዝ የድልየና እዩ ብምባል ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፃ።
ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግብን ክልል ዓፋር ኣቶ መሓመድ ሑሴን ነቶም ተመለስቲ ዝግበር ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኾነ ሓቢሮም ኣለው። ንዕኣቶም ምሉእ ብምሉእ ንምጥያስ ግን ካብ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሓቢሮም ኣለው።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ኣካላት ፀጥታ ክልል ዓፋር ንድሕንነቶምን ገበነኛታት ንምፍላይን ብዝብል ምኽንያት ካብ ሰለስተ ወረዳታት ዓፋር ንተወለድቲ ትግራይ ኣኪቡ ናብ መዓስከራት ሰመራ ከምዝወሰዶም ምዝራቡ ዝዝከር እዩ። እቲ ኮሚሽን ኣብቶም መዓስከራት ብዝገበሮ ክትትል ዝተፈላለዩ ዘተሓሳስቡ ፀገማት ከም ዝነበሩዎም’ውን ኣመልኪቱ ነይሩ።
እቶም ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ መዓስከራት ተታሒዞም ዝፀንሑ ተወለድቲ ትግራይ ንገዛእ ርእሶም እሱራት ኢሎም ዝገለጹ ኾይኖም መንግስቲ ክልል ዓፋር ድማ እሱራት ዘይኮኑ ተመዛበልቲ እዮም፣ ናብዚ ዘምፃእናዮም'ውን ንድሕንነቶም ክንብል ኢና ይብል። ኣብቶም መዓስከራት ዝነበሩ ብዝሒ ተወላዶ ትግራይ 9-ሺሕ ከምዝግመት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት የኢትዮጵያ ይገልፅ። ክልል ዓፋር ብወገኑ ብዝሖም 7,800 ከምዝኾነ ምግላጹ ይዝከር።