ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 5 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ኣብ የመን መዕረፎ ነፈርቲ ዓደን ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እንተወሓደ ሓሙሽተ ሰባትከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ናይታ ሃገር ፀጥታ ምንጪ ከምዝሓበሮ መንግስቲ ንዝቆፃፀሮ ክፋል የመን ዘመሓድር ሓዱሽ ዝተጣየሸ ካብኔ ሒዛ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝመፀት ነፋሪት ድሕሪ ምዕራፋ እቲ መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ሓቢሩ’ሎ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም እታ ነፋሪት ምስ ወረደት ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ መዕረፎ ነፈርቲ ሓያል ፍንጀራን ቶክስን ምስምዑ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ማዒን ዓብዱል ማሊክ ከምኡ እውን ኣብ የመን ኣማባሳደር ስዑዲ መሓመድ ሰይድ ኣል ጀባር ሓዊሱ ኣባላት ካብኔ ናብ ቤተ መንግስቲ ብውሑስ ኣገባብከምዝተወሰዱ መሰኻኽርን መሓውራት ዜና ስዑዲን ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG