ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዓልቲ ምርጫ ኣሜሪካ 91,500 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ተመዝጊቡ


ኣብቲ ትማሊ ሶሉስ ዝተኻየደ ከቢድ ውድድር ዝተራእየሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ልዑል ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተመዝገበሉ መዓልቲ ምንባሩ’ውን ተገሊጹ ።

ብመሰረት ብጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝቐረበ መረዳእታ ህይወቶም ዝሰኣኑ 1,130 ሓዊሱ ኣብቲ መዓልቲ ምርጫ 91,500 ሰባት ብኮቪድ 19 ምትሓዞም ተመዝጊቦም ኣለው። ካብዚ ብተወሳኺ ትማሊ ሶሉስ ብሰንኪ ኮቪድ 50,000 ሰባት ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ተረጋጊፁ።

ኣሜሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ዝበዝሓ ሰባት 9.3 ሚሊዮን ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ብቀዳማይ ደረጃ:ህንዲ 8.3 ሚሊዮን ብምምዝጋብ ካልኣይ ብምዃን ተመዝጊበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG