ዋሽንግተን —
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ብ ኣርባዕተ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 180 ስደተኛታት ንክራገፉ ፍቓድ ካብ ሰበ ስልጣን ኢጣልያን ማልታን ክጽበዩ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ወደብ ኢምፒደኮሎ ሲሲሊ ምእታዎም ተገሊጹ።
እቶም ስደተኛታት ንናይ 14 መዓልታት ምውሻብ ሞብይ ዛዛ ናብ ዝተባህለት መርከብ ምስግጋሮም ውን ተፈሊጡ’ሎ።
ወናኒ ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየደት ኦሻን ቫይኪንግ ዝተባህለት መርከብ ዝኾነ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ናይ ‘ስነ ኣእምሮ ጸቕጢ’ ከምዘለዎም ይገልጽ።
ኢጣልያ ድሕሪ ብለበዳ ባይረስ ኮሮና ዘጋጠመ ሃስያ ወደባታት ስደተኛታት ክራገፉ ውሑስ ዘይምዃኑ ብምግላጽ ዘሕለፈቶ ውሳነ ስደተኛታት ዘይምቕባል ክሳብ ሓምለ 31 ዝጸንሕ ምዃኑ ይፍለጥ።