ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ቀ/ሚን ሶማል ዘሎ ምስሕሓብ ንፀጥታን ምርጫን ክጎድኦ ይኽእል እዩ ተባሂሉ


ቀ/ሚ ሶማል
ቀ/ሚ ሶማል

ናይ ሶማሊያ ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴርን ብምኽኒያት ሓላፊ ስለያ ናይታ ሃገርን ብሞት ወኪል ድሕነት ሳይበርን ኣብ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ዝጠሓሉ ይመስሉ።ቀዳማይ ምንስቴር ሑሴን ሮቤል ኣብዚ ሰሙን ንናይታ ሃገር ሓላፊ ኤጄንሲ ሃገራዊ ስለያን ድሕነትን ፋሃድ ያሲን ንሞት ወኪል ድሕነት ሳይበር ብዘይምምርማሮም ካብ ስልጣኖም ኣጊዶምዎም ኣለው።እቶም ፕሬዝዳንት ግን ነቲ ስጉምቲ ብምግሳፅ ያስን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ገይሮም ትማሊ ረቡዕ ሸይሞምዎም።

ፕሬዝዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣኼባ ሃገራዊ ድሕነት ብምፅዋዕ ገለ ላዕለዎት ሽመታት ሃገራዊ ድሕነት ብምቅይያር ካብ ስልጣኖም ዝተኣገዱ ዳይረክተር ስለያ ፋሃድ ያሲን ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ኮሎኔል ያሲን ዓብዱላሂ ድማ ግዚያዊ ዳይረክተር ኤጀንሲ ሃገራዊ ስለያን ድሕነትን \NISA\ ገይሮም ሸይሞምዎም።

ሮበል ከምዝተቐተለት ዝንገር መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ሰላሊት ኢክራን ታሕሊል ፋራሕ ምርመራ ከይካየድ ምዕንቃፍ ፍትሒ እዩ ክብሉ ንናይቶም ፕሬዝዳንት ስጉምቲ ገሊፆምዎ።

ፋራሕ ኣብ ሰነ ምስተሰወረት NISA ሞይታ እያ ክብል ኣብዚ ወርሒ ኣዊጁ።ዝርዝር ኣማውትኣ ግን ኣይገለፀን።

ፖለቲካዊ ተንታኒ ሓሳን ሙዳኔ ኣብ መንጎ ኣብያተ ፅሕፈት ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴርን ዘሎ መሪር ምልውዋጥ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ትካላት ፌደራል ዝህሊ ምትሕብባር ዘዳኽም እዩ ይብል።

ከም ናይ ፍትሒ ኣካል፣ናይ ፕሬዝዳንት፣ናይ ፀጥታ ክፍልታትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ተቋማት ከምኡ እውን ኣንፃር ኣል ሸባብ ዝካየድ ግጥም በቲ ምስሕሓብ ክትንከፍ እዩ ኢሉ።ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ዝምራሕ መስርሕ ምርጫ እውን ክፍተን እዩ ኢሉ ብምውሳኽ።

መስርሕ ምርጫ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ ክጅመር እዩ።

ብመሰረት ተንታኒት ፀጥታ ሳሚራ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ላዕለዎት መራሕቲ ዘሎ ምስሕሓብ ንስራሕቲ ኤጄንሲታት ፀጥታ ሶማሊያን ዓለምለኸ መሻርኽቶምን ከቢድ ይገብሮ ትብል።

‘’እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ዛጊድ ፅቡቕ ይኸይድ ንዘሎ መስርሕ ምርጫ ክመርሕ ሓላፍነት ዝተውሃቦ እዩ’'ዝበለት ንሳ ‘’እዚ ዳሕረዋይ ኣፈላላያት ኣብ መንጎ ናቶም ቤት ፅሕፈትን እቶም ፕሬዝዳንትን ንፀጥታ ብምጉዳእ ንተማንነት መስርሕ ምርጫ ክጎድኦ ይኽእልን እዩ’’ በለት።

ብዓይኒ ህዝቢ ሶማሊያን ዓመለኸ መሻርኽትን ንመስርሕ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ቅቡልነት ከስእን ይኽእል ትብል ብምውሳኽ።

ፕሬዝድንታዊ ሕፁያት ዝኾኑ መራሕቲ ተቓዋመቲ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ናይቶም ፕሬዝዳንት ስጉምቲ ነቲ ዝቐፀለ መስርሕ ምርጫ ዘዛብዕ እዩ ብምባል ንቶም ቀዳማይ ምንስቴር ዘለዎም ደገፍ ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG