ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነትን ተቓውምቲን ክካየድ ዝጸንሓ ልዝብ ምንውሑ ተገሊጹ


ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ተቓወምቲን ሓድሽ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ንምምስራት ክካየድ ዝጸንሓ ልዝብ ካብ ሎሚ ሶሉስ ጀሚሩ ምንውሑ ተገሊጹ። እቲ ልዝብ ዝተቛረጸ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝተካየደ ተቓውሞ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶም ስዒቡ’ዩ።

ዓበይቲ ፍጻመታት ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ተቓውሞን ለውጢን ነዚ ይመስል።

ኣብ ታሕሳስ 19,2018 - ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ናህሪ ዋጋታት ባኒን ነዳዲን ዝተቖጥዑ ነበርቲ ከተማ ኣጥባራ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞ አካይዶም። ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ቁጠባዊ ቀውሲ ነቲ ተቓውሞ ናብ ዋና ከተማ ካርቱምን ካልኦት ከተማታት’ታ ሃገር ክዝርጋሕ ኣገዲድዎ። ተቓወምቲ “ህዝቢ ውድቐት’ቲ ስርዓት ይደልይ” ዝብል ጭርሖታት ብምስማዕ ተቓውሞኦም ቀጺሎም ሓይልታት ጸጥታ ድማ ተቓወሞታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ተኹሶም።

ኣብ ሚያዝያ 11,2019 - ሰራዊት’ታ ሃገር ንኣስታት 30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ብምእላይ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሱዳን ብወታሃደራዊ መሪሕነት ከምትመሓደር ኣፍሊጦም። እቲ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ምውራዶም ንምጽንባል ዝወጸ ህዝቢ መዝነት ናብ ሲቪል መሪሕነት ክወሃብ ብምጥላብ ተቓውሞ ቀጺሉ።

ኣብ ሰነ 3,2019 - ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ቀንዲ ቦታ ተቓውሞ ዝነበረ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልኻል’ታ ሃገር ምክባብ ተቓውምቲ በቲኖም። ተቓወምቲ ኣብቲ አጋጣሚ ልዕሊ 100 ሰባት ምሟቶም ይገልጹ።

ኣብ ሰነ 16,2019 - ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ንመጀመርያ ጊዜ ድሕሪ ካብ መዝነት ምእላቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ክውሰዱ ተራእዮም። ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ብልሽውና፡ ቕትለት ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዝብሉ ክስታት ቐሪብሎም።

ኣብ ሓምለ 5 - ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪን ሕብረት ተቓወምቲ ነቲ ናይ መሰጋገሪ ሰለስተ ዓመታት መሪሕነት ንምምቕራሕ ምስምማዖም ሓቢሮም። ኣብ ሓምለ 17 ድማ ነቲ ነቲ ስምምዕ ብፊርማ ኣጽዲቖም። ይኹን ደአ እምበር ኣብ ኣዋጅ ቕዋም ዘለዎም ፍልልይ ግን መዓልቦ ኣይረኸበን።

ኣብ ሓምለ 29- ምስ ማሕበር ሓካይም ርክብ ዘለዎ ተቓወምቲ፡ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ከተማ ኣል ኣቢድ ንናህሪ ዋጋታት ባኒን ነዳዲን ብምቅዋም ሰልፊ ዝወጹ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ኣርባዕተ ተማሃሮ ምሟቶም ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG