ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ`ውን ምስ ጅቡቲ ዝተመሓየሸ ዝምድናታት ንዕብየት ንግድን ኢንቨስትመንት ኣሜሪካ ኣገዳሲ ምዃኑ ቲቦር ናጅ ገሊጾም


ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመሩ ናይ ኣሜሪካ ላዕላዋይ ዲፕሎማት ጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ኣሜሪካ ብልዑል ኣወንታዊ ዓይኒ ከምትጥምቶ ኣፍሊጦም።

ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቱ ትማሊ ብኢትዮጵያ ዝጀመረ ቲቦር ናጅ፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ`ውን ምስ ጅቡቲ ዝተመሓየሸ ዝምድናታት ብዕብየት ንግድን ኢንቨስትመንት ኣሜሪካ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድሕሪ ምርኻብ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃቡ ቲቦር ናጅ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብኸቢድ ገበን ሰብኣዊ መሰላት ዝጥርጠሩ ሰባት ገንዘቦም ንምእጋድ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሕቶ ኔሩ እንተኾይኑ ንዝቐረበሎም ሕቶ ክምልሱ ከለው፡ ከምኡ ዓይነት ሕቶ ቀሪቡ እንተነይሩ`ውን ብዛዕብኡ ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን`የ፡ ስለዚ ከረጋግጸልኩም ወይ ኣሉታዊ መልሲ ክህበኩም ኣይክእልን`የ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG