ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራን ወጥሪ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን እስራኤል ናይ መን ጸግዒ ከምዝኾነት ብወግዒ ኣፍሊጣ


ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ወጥሪ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን እስራኤል ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከምእትድግፍ ግን ኸኣ ኢራን ንሂዝቦላህ ተጠቒማ ንእስራኤል ክተጥቅዕ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ከምዘለዋ ገሊጻ።

ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ግጭት እንተድኣ ኣትየን እስራኤል ምስ መን ከም እትስለፍ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብንፁር ገሊፆምዎ ኣለው።

“ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኢራን ኣንፃር ኣሜሪካን ኣንፃር ኩላትናን ወራራ ቀፂላ’ላ።ኣሜሪካ ንወራር ኢራን ደው ንምባል ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ኩሎም ፈተውቲ ሰላም ኣብ ጎና ክስለፉ ደጊመ እፅውዕ ኣለኹ።እስራኤል ኣብ ጎኒ ኣሜሪካ ኣላ።”

ኢራን ኣብዚ ሰሙን ንናይ ኣሜሪካ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት/ድሮን/ ወቒዓ ምስ ኣወደቐት ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ወጥሪ ሓይሉ’ሎ።ኣሜሪካ እታ ነፋሪት ኣብ ዓለምለኸ ግዝኣት ኣየር ከምዝነበረት ክትግለፅ ከላ ኢራን ብወገና ኣብ ክሊ ግዝኣት ኣየር ሃገራ ትበርር ከምዝነበረት ትገልጽ።ብመሰረት ናይ ሎሚ ዓርቢ ፀብፃብ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ክፍፀም ኣዚዞም እንተነበሩ እውን ናይ ውግእ ነፍርቲ ንደብዳብ ኣብ ሰማይ እናሃለዋ ኣብ መወዳእታ ደቒቓ ደው ክብል ኣዚዞም።ስለምንታይ ሓሳቦም ከምዝቐየሩ ንፁር ኣይኮነን።

ኣቐዲሞም ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዚ ኢሎም ነይሮም።

“ኢራን ከቢድ ጌጋ ፈፂማ’ላ።እታ ነፋሪት ብግልፂ ኣብ ዓለምለኸ ማያት እያ ነይራ፤ሰኒድናዮ ኣለና።ብዘረባ ዘይኮነስ ብሳይንሳዊ ኣገባብ ዝተሰነደ እዩ።ከቢድ ጌጋ እዮም ፈፂሞም።ግብረ መልሲ ከመይ ትህብ?ክትሪኡዎ ኢኹም።ምስ ኢራን ኲናት ትገጥም ዲኻ?ክትረኽቡዎ ኢኹም።”

ኢራን ነታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሆርሙዝ ስትሬትስ ነዳዲ ንዝፀዓና መራኽብ ወቒዓ ክትብል ኣሜሪካ ትኸስስ ዓለምለኸ መንገድታት ኣየር ናብ ህንድን ቻይናን ንምጉዓዝ ንሰማያት ኢራን ገዲፈንኦ ኣለዋ።

ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ግጭት እንተተላዒሉ ኢራን ዕጡቓት ጉጅለ ሂዝቦላህ ንእስራኤል ከጥቕዑ ክትእዝዞም ትኽእል እያ ዝብል ሻቖሎት ኣሎ።ኲናት ዞባውን ዓለምለኻውን መዘዝ ከምዝህልዎ’ውን ሰበስልጣን ኢራን ኣጠንቂቖም ኣለው።

ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ሓለፍቲ ፀጥታ ኣሜሪካ፣ሩሲያን እስራኤልን ኣብ እስራኤል ክራኸቡ እዮም።ኣብቲ ኣጀንዳ ኢራን ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ትፅቢት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG