ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ኦጋዴን መጠን ዘሎ ነዳዲ ንምጽናዕ ኣብ መንጎ ሚንስትሪ ዕደና ኢትዮጵያን ኣመሪካዊ ኩባንያ ኔዘርላንድስ ውዕል ከምዝተፈራረሙ ተፈሊጡ።
ኣብ’ቲ ስነ ስርዓት ምፍርራም፣ ፈጻሚት ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣምባሳደር ትሬሲ ጄኮብሰን ተረኺበን ከምዝነበራን "እቲ መጽናዕቲ፣ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ዝህልዎ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ቁጠባዊ ምትእስሳር ከምዘሓይልን" ገሊጸን።
ብመሰረት’ቲ ስምምዕነት፣ እቲ ኣመሪካዊ ኩባንያ፣ ኣብ 3500 ስ.ኪ.ሜ ክፍሊ ኦጋዴን፣ ቅድሚ ሎሚ ዝተሰርሑ ዳህሳሳትን ውጽኢትን ተመርኩሱ፣ ስርሑ ከምዝፍጽምን፣ ቅድሚ ሎሚ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ዘካየደ ቻይናዊ ኩባንያ ከምዝነበረን ወኪልና ዝላኣኾ ሪፖርት ሓቢሩ።